ስልጠና ወፍሪ

ኣብ ስቶክ ማርኬት

ብትግርኛ

እዚ ስልጠና ንሓደሽቲ ኣውፈርቲ ኣብ ስቶክ ማርኬት ብውሕሉል ኣገባብ ብኸመይ ክጅምሩ ከምዝኽእሉ ንምስልጣን ዝተዳለወ እዩ

እዚ ስልጠና ሒዝዎ ዘሎ፦

ልዕሊ 32 ቪድዮታት

እተውርዶ ሰነዳት

ውልቃዊ ምኽሪ

ምስክር ወረቐት ምዝዛምካ

ስለምንታይ ነዛ ስልጠና ትወስዳ፧

ኣብዚ ኣትራፊ ዝኾነ ናይ ስቶክ ማርኬት ዓውዲ ስለምንታይ ከተውፍር ከምዘለካን ብኸመይ ድማ ስልጠና ከም እትረክብን እትገልጽ ሓጻር  መላለዪት ቪድዮ ኣብ ታሕቲ ኣቐሚጠዮ ኣለኹ፡ ንኽትርእያ ድማ ብኽብሪ ይዕድመካ።

ካብዚ ስልጠና እንታይ ኢኻ ክትመሃር፧

$

ስቶክ ማርኬት እንታይ ምዃኑን ኣብቲ ዕዳጋ መኽሰብ ንምርካብ ብኸመይ ናይ ወፍሪ ሕሳብ ክትከፍት ኸም እትኽእልን

$

ኣብ ስቶክ ማርኬት ገንዘብ ከተውፍር  ከለኻ ምሉእ ምርዳእን ምትእምማንን ክህልወካ

$

ዜድልየካ ነገራት ዜማልእ እተፈላለየ ፖርቶፎልዮ (Diversified Portfolio)  ብኸመይ ከም እትሃንጽ

$

ብዛዕባ ገንዘብ ኢንቨስትመንት (Investment Fund) ብዛዕባ ሓባራዊ ገንዘብ (Mutual Funds)  እንተላይ ብዛዕባ ገንዘብ ምልውዋጥ (Exchange Traded Funds) ክትፈልጥ

$

ብመንገዲ ብሮከር (Broker) ስቶክ ብኸመይ ትዕድግን ትሸይጥን

$

ገንዘብ ብምውፋር ሃብትኻ ኸተዕቢ ዜድልየካ ዘበለ ዅሉ

$

ሓደስቲ ኣውፈርቲ ዚገብርዎ ጌጋታት ከይትደግሞም ክትመሃር ኢኻ።

ኣዳላዊ እዚ ስልጠና

ማእከለ ኣብርሃም
ኣውፋሪ ዩቱቤር ወናኒ ትካል
Maekele 2

ስመይ ማእከለ ኣብርሃም ይበሃል። ተቐማጢ ካናዳ እየ። ኣውፋሪ (Investor) ኣብ ስቶክ ማርኬት፡ ወናኒ ትካል፣ ከምኡ’ውን ወናኒ ናይታ ብዛዕባ ስቶክ ማርኬት ብዙሕ ትምህርቲ እተቕርብ ዩቲብ ቻነል (Eri Investing) እየ።

ክሳብ ሕጂ ንቡዙሓት ሰባት ብውልቅን ብጉጅለን ኣብ ፋይናንስን ወፍርን ኣፍልጦ ንኽህልዎም ሓጊዘ ኣለኹ። ኣብዚ ሰዓት ኣብ ዓወዲ ፋይናንስ እንዳነጠፍኩ ይርከብ ኣለኹ። ከምኡ’ውን ኣፍልጦይ ንምዕባይ ብዙሕ ዓበይቲ ስልጠናታት ሰሚናራት መጽሓፍትን ወሲደ።

ኣብዚ ዘለኹ ንክልተ ዕላማ እዩ።

 ቐዳማይ ፣ ካብቲ ዝተመሃርክዎን ብግብሪ ዝሰራሕኩሉ ከካፍለኩምን

ካልኣይ፣  ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘውደቐኒ ጌጋታት ንኽትርሕቑ ክምህረኩምን እዩ።

Email
whatsapp
Facebook
YouTube

ኣቐዲሞም ዝተመሃሩ እንታይ ይብሉ፧

ኮርሳትና

DR. Michael Habteyonas

I would like to say a few words about Eri Young Investor and Eri Investing Academy. I took all the courses and I found it very organized, and the great thing is it is in our own language Tigrigna. I can see that Maekele Abraham has spent a lot of time and effort to put this course together and I really encourage everyone to take the course and learn something about investing. The course teaches not only about investing but also about wisdom. GREAT JOB MAEKELE, I am very proud of you.

Yours Sincerely

Dr. Michael Habteyonas,

Edmonton Canada.

ብዙሕ ግዜ ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ገንዘብካ ኣውፍር ኢንቨስት ግበር ክብሉ ይሰምዕ ነይረ ብኸመይ ንዝብል ሕቶ ግን ይምለሰለይ ኣይነበረን ስኣን ጽፉፍ ሓበሬታ ምርካበይ ድማ ዘዝሰራሕክዎ ገንዘብ ኣብ ገዛይ ብዘይ ወለሓደወፍሪ ይቐምጦ ነበርኩ ኣንኮራ ከማን ዓመታዊ ብውሑዱ ካብ 2 ክሳብ 3 % ዋግኡ ብሰንኪ ዝቅባበ ይጎድል ኔሩ. ድሓር ግን ኣጋጥሚ ኣብ ናይ ማእከለ ስልጠና ኣትዮም ተማሂሮም ምውፍር ዝጀመሩ ሰባት ብዛዕባ ወፍሪ ኣብ ስቶክ ማርኬት ከዕልሉ ምስ ሰማዕኩ ኣነ ውን ነቲ ኮርስ ክወስዶ ከምዘለኒን ብዙሕ ክጠቅመኒ ሙኻኑን ምስ ሓበሩኒ ብቅልጡፍ ብኣዝዪ መሳጥን ንጹርን መልእኽታት ዝተሰነየ ኮርስ ናይ ከምይ ጌርካ ኣብ ስቶክ ማርኬት ገንዘብካ ተውፍር ብሓውና ማእከለ ኣብርሃም ዝተዳለወ ኮርስ ውሲደስ ድሮ ብሓግዛቱ ውን ገንዘበይ ከውፍር ጀሚረ. እዚ ትምርቲ’ዚ ድማ ከም ሄቨን ኣዝዩ ብሉጽን ሓጋዝን ኮይኑ ረኺበዮ . Thank you ማእከለ ሓወይ ስለቲ ዘይጸዓድ ድጋፍካን ሓጋዚ ትምህርትኻን.

ሄቨን ዛይድ
Influencer/ Youtuber

ኣነ በዚ ናይ ማእከለ ኣብ Eri Investing Academy ዝወሰድክዎ ትምህርቲ ኣዝየ ዕግብቲ እዩ። ኣብ እስቶክ ማርኬት ዝንበረኒ ኩሉ ጥርጣረታት ብትኽክል ተመሊሱለይ። ኣተሓሳስባይ ውን ከሰፍሕ ሓጊዙኒ፡ እቲ ብሉጽ ዝገብሮ ነዚ ትምህርቲ ኸኣ እቲ ትሕዝቶ ኣብቲ ትምህርቲ ዘሎን ማእከል ዝተጠቀመሉ ሜላ ኣገላልጻን መረዳእታን እዩ። ኣብዚ ትምህርቲ፡እስቶክ ማርኬት ከመይ ከም ዝሰርሕን ከመይ ገርካ ወፍሪ ጀሚርካ ናብ ዝበለጸ ደረጃ ንኽትበጽሕ ውን ጽቡቕ መረዳእታን ምኽርን ይወሃበካ። ኣብዚ ትምህርቲ ምስ ትሳተፉ ኣተሓሳስባኹም ከም ዝዓቢ ኣይጠራጠርን እየ። ምኽንያቱ ጽቡቕ ትሕዝቶ ስለዘለዎ ኣብ ሂወትካ ዕዉት ክትከውን ስለዝሕግዘካ። ማእከለ ብጠዓሚ የቐንየለይ ስለቲ ውሒሉል ኣቀራርባን ግዜኻን።

ዋልታ ተኽላይ

Hi Maekele, I really appreciate you, I find this course mind-blowing, supportive, source full, achievable, knowledgeable. I recommend all to purchase and growth your financial income !!

Teklezgi Tsegay

Canada

ብመጀመርያ፡ ነዚ ካብ ዉልቃውን ሞያዊ ተመኩሮኡን ዝረኸቦ ፍልጠት ንኣሕዋቱ ብምክፋል ሂወቶም ክቕይሩ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ሓው Maekele ብጣዕሚ ከመስግኖ እፈቱ። ኣብ” ERI INVESTING” ብዝተማሃርኩዎ ትምህርቲ ኣዝየ ዕግብትን፥ ሕጉስትን እየ። “ወፍሪ ስቶክ ማርኬት (stock market)” ምምሃራይ ገንዘበይ ኣበይን ብከመይን ከዋፍሮ ከምዘለኒ ብልክዕ ክርዳእ ክኢለ። ከሙኡ ውን ብምትሕብባሩን ምቅሉልነቱን ኣዝየ ከመስግኖ እፈቱ። thanks Maekele hawey

Titi Huruy

Tell-Aviv,   Israel

Netsereab Eyob

Germany

እቲ ዝዓበየ ሰራቂ ግዜ፣ ጉልበት፡ መጻእን ዝኾነ ተቖጺርካ ምስራሕ’ዩ። ካብዚ ተላቂቕካ ናብ ዝዓበየ ጎደና ዝመርሕ ስልጠና እዩ። ወፍሪ ናይ ገንዘብ ዝይኮነስ ናይ ፍልጠት እዩ’ሞ፡ ስለዚ ነዚ መኣዲ ፍልጠት ትቓደስቲ ንምኻን ሎሚ ንወስን። ናይ ሎሚ ውሳኔ ናይ ጽባሕ ውጽኢት ስለዝኾነ።

ማእከለ ኣብርሃም ድማ ክትድነቕ ዝግበኣካ ሓው ኢኻ። ብሉጽ ስራሕ ቀጽሎ

ኣኽሊሉ ተኻሊ

ደራሲ፣ ካልጋርይ ካናዳ

really wanted to appreciate you for offering your time to teach us on YouTube and also on your website. It has been a really productive and interesting topic. I took the lesson about the stock market which you have prepared for us and I am super happy that I made that decision as it’s become a life-changing lesson in my life. I would love to tell you that I am a huge fan of ERI YOUNG INVESTOR.

Ablel Zaid

London Uk

ብመጀመርታ ናይ ዘመንና ብሉጽ ሰብ ካብ ፍልጠትካን ተመክሮኻን ብምክፋል ኣተሓሳስባና ንምቕያር ዓቢ ኣበርክቶ እትገብር ዘለኻ ክቡር ሓውና ማእከለ ብልቢ ከየመስገንኩኻ ክሓልፍ ኣይደልን። ኣነ ዝወሰድክዎ ትምህርቲ ኣብ ወፍሪ ስቶክ ማርኬት ኮይኑ ገንዘበይ ከመይ ገይረ ከምዘዋፍሮን ከምዘመሓድሮን ብዘዳለኻልና ትምህርቲ ምስናይ ኣገላልጻን ምቕሉል ኣመሃህራን ብጣዕሚ ዝዝድነቕ እዩ። ከምኡውን ብውልቀይ ኣብ ስቶክ ማርኬት ኣዋፊረ ኣለኹ ብጣዕሚ ከ ለውጢ ረኺበሉ። ካልኦት ኣሕዋተይ ድማ ፋይናንሳዊ ትምህርቲ ክትቀስሙን ክትዓብዩን ክትልወጡን ንእትደልዩ እዚ ኮርስ ንኽትወስድዎ የተባብዓኩም። እዚ ዝዛረቦ ዘለኹ 99.9% ርግጸኛ ኮይነ እየዝዛረብ ዘለኹ። ብልቢ እዚ ዕድል’ዚ ናብ ረብሓና ነውዕሎ።

ገሬ ኪሮስ

Vancouver Canada

ሰላም Maekele ሓውይ ብመጀመርይያ ኣብ ሂወትካ ጥዕና ኣብ ስራሕካ ድማ ኣሳልጦ አምነይልካ. ቀጽለ ስለ ቲ ከተሓለልካ ኣብ ቁጠባዊ ሓርነት አትህቦ ትምህርቲ ከመስግነካ ይፈቱ. መጀመርያ ናይ youtube ተካታታልካ የ ነይረ. ኩሉ አትህቦ ትምህርቲ ድማ አካታተሎ ነይሬ. ብደሕሪ ዚ ነዚ course ናይ invest in stoke market ወሲደ. ኣብ ሂወትይ ዓቢ ዝኾነ ናይ ለውጢ መንገዲ ኢካ ኣሪካኒ ብጣሚ የ ዘመስግነካ maekele ሓወይ እዚ course ካብ ትጸብተይ ንላዕሊ የ ርክበዮ. ደስ ዝብል ኣመሃህራ. Thanks

ግዶን ሓጎስ

Isreal

መጀመርታ ልባዊ ሰላምታ ይብጻሕካ ማእከለ ሓወይ። ቀጺለ ካብዚ ኮርስ ዝተመሃርክዎ እንተ ሃልዩ ነቲ ዝጸነሓኒ ንእሽቶይ ኣፍልጦ ኣዝዩ ዓቢ ሓገዝ እዩ ኮይንኒ። ገለ ካብ ዝተመሃርክዎ ክዝርዝር እንተ ኾይነ፣
1, ብጥዓሚ ጽቡቕ ኣገላልጻን ዘየሰልክይን ኣገባብ ብምቕራብካ ፈተዮ
2, ኣፍልጦይ ኣብ ETF, BOND, INDVIDUAL STOCK…. ወዘተ  ክዓቢ ሓጊዙኒ
3, ኩሉ ዘድልየኒ ኣብ እስቶክ ማርኬት ንክውፍርን psychology ናይ ገንዘብ ብግቡእ ንክርድኦ
ዘድልየኒ ሓበረታን ምኽርን ረኺበ። And last but not least zifetekuwo nezi course ” To
the point” ብምኻኑ. Thanks dude, keep it up

Measho Fisseha 
Holland

ኣብዚ ጊዜ እዚ ካባይ ሓሊፉ ንሕብረተሰበይ ዝብል ኣዝዩ ዉሑድ’ዩ ። ኩሉ ዘለኻ ፍልጠት ከይበቐቕካ ስለ ዘወፈካልና ካብ ልበይ የመስግነካ ፡ ቅድም ንዝነበረኒ ፍርሕን ምጥርጣርን ብንጹርን ብጽፉፉን ብምቅራብካ ከኣ ደጊመ የመስግነካ ። ኣብዚ ቐሚሰዮ ዘለኩ ትምህርቲ ምርኹስ ብምግባር ነዚ ንክንደይ ዓመታት ዘምለጠኒ ናይ ዓወት መንገዲ ጀሚረዮ ከም ዘለኩ ኽሕብረካ ይፈቱ ። ንኩሉ ብ ማዕረ ዝወሃብ ዕድል ክሳብ ዝኾነ ከኣ ኹሉ ዘለካ ሕቶ ካብ መጀመርታ ኽሳብ መወዳአታ ስለ ትምልሰልካ ብዘይ ጥርጥር ኩሉ ሰብ ኽወስዳ ይላቦ። መመሊስካ ወስኽ ፍልጠትካ ይሰስነልኻ ኻብዚ ብዝበለጽ ክንጽበ ኢና።

Silvana Amine
Toronto Canada

መጀመርታ ልባዊ ሰላምታ ይብጻሕካ ማእከለ ሓወይ አብ ሂወትካ ጥዕና አብ ስራሕካ ድማ አሳልጦ እምነየልካ፡ ቀጺለ እቲ ከይተሓለልካ ንዓና ንምሕጋዝ ኢልካ ከምቲ አብ youtube ኢትብሎ ካብ( A ኽሳብ Z)እትብሎ ብተግባር ኢየ ሪእዮ፡ ምክንያቱ በቲ ዝሃብካኒ ናይ ስቶክ ማርኬት ኮርስ አብ ሂወተይ ዓቢ ለውጢ ስለዝገበርካ ደጊመ የመስግነካ፡ብዓቢኡ ከአ አብ ናይ ወፍሪ ዘለኒ አረዳዲአ ማዕረ ክንደይ አገዳሲ ምካኑ አብዚ ኮርስ ናትካ ምስ ወሰድኩ ኢየ ዝያዳ ክዓቢ ኪኢለ ከምኡውን አብ youtuber ካ ተኽታታሊ ናትካ ኢየ፡ብዙሕ ኢካ ተንቃሓና ዘለኻ እሞ ቆስሎ ክብል ኢፈቱ፡ በዚ አጋጣሚ ኩልኩም ነዛ ጺሕፍቲ ተንብብዋ ደለኩም ተኽታተልቲ ናይ ማእከለ አብቲ ናቱ ወብሳይት አቲኹም ኮርስ ኽትወስዱ ይምሕጸነኩም ምክንያቱ እቲ ኮርስ ኩሉ ካብ A ክሳብ Z አብኡ አሎ ርግጸና ኢየ በቲ አቅሪብዎ ደሎ ከምትዓግቡ፡ርግጸና ኢየ ከምዚ ከማይ ዲሒረ ብምውሳናይ ብጣዕሚ ኢየ ዝጣስ ከምትብሎ ።

 

ኣብርሃለ ወዲ ሃለቃ

ካብ Netherland

 

ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት፧

ብኸመይ እዩ እቲ ትምህርቲ ዝወሃብ፧

እቲ ትምህርቲ ብቪድዮ መልክዕ ኢዩ ዝወሃብ

እቲ ትምህርቲ ብምንታይ ቛንቛ እዩ ዝቐርብ፧

እቲ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ብትግርኛ እዩ ዝወሃብ ።

ድሕሪ ምዝገባ ንኽንደይ ግዜ ክፉት ይጸንሕ

ካብታ ዝተመዝገብካላ መዓልቲ ጀሚሩ ን180 መዓልቲ (6 ወርሒ) ክፉት ይጸንሕ፡ ማለት እንተደንጎኻ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ክትውድኦ ኣለካ።

ኣብ መንጎ እቲ ስሩዕን ህጹጹን ስልጠና እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧

ኣቲ ስሩዕ

    • እታ ቐዳመይቲ ምዕራፍ ኣብታ ዝተመዝገብካላ መዓልቲ ትጅምር ኣቲ ዝቕጽል ምዕራፋት ድማ በብሓደ ሰሙን ይኽፈተልካ። እዚ ማለት ከኣ ኩሉ እቲ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክትውድኦ ትኽእል።

እቲ ህጹጹ

    • እዚ ስልጠና እዚ ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ ክትወስዶ የኽእለካ ማለት ትሕቲ ወርሒ ክትውድእ እንተደሊካ ነዚ ክትመርጾ ትኽእል ኢኻ።

 

ሕጂ’ዩ እቲ ግዜ

ኣብ ወፍሪ ስቶክ ማርኬት (Stock Market) ገንዘብካ ከተውፍር ዝበለጸ ግዜ ቕድሚ 10 ዓመት እዩ ነይሩ፣ እቲ ካልኣይ ዝበለጸ ግዜ ግን ሕጂ ኢዩ።”

ንኽትቀመሉ ቀሊል ኣገባብ ኣመሃህራ

Eri Investing website mockup2

እዚ ስልጠና ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ብዝደለኻዮ መሳርሒ ማለት

  • ኣብ ዴስክቶፕ
  • ኣብ ላፕቶብ
  • ኣብ ታብለት
  • ኣብ ሞባይልካ

ኾይንካ ክትመሃረሉ ከምትኽእል ኮይኑ እዩ ተዳልዩ።

ስለዚ ሃየ ከምቲ ፍሉጥ ኣውፋሪ ዋረን ቡፈት

እቲ ዝበለጸ ወፍሪ ኣብ ነብስኻ እተውፍሮ ኢዩ፡

ዝብሎ ነዛ ስልጠና ብምግዛእ ክኢላ ኣውፋሪ ኣብ ስቶክ ማርኬት ኩን።

ብትምህርትና ዝተሓጎሱ እንታይ ይብሉ፧

ብመጀመርታ ሰላም : ብምቅጻል ነቲ ብዙሕ ግዜ ኣጥፊእካ ዘጥረኻዮ ሞያ : ነሕዋትይ ክሕግዞም ይኽእል እዩ ኢልካ ክተካፍለና ስለ ዝመረጽካ ምስጋና ይግብኣካ እዩ: ቀጺለ ኣብዚ ትምህርቲ ምስታፍይ ብጣዕሚ ተሓጊስን ፈትየዮን: ሓጋዚ ኮይኑ ረኺበዮ:: ንኹሉ ኣብ ዩቱብ ኮነ ኣብ Eriinvesting.Com ትገብሮ ምንቅቓሕን ምትብባዕን ኣበርቲዕካ ክትሰርሓሉ ተስፋ ይገብር::

ጆን ሽወደን

Thank you maekele for the opportunity, I have gained a lot of information from this course. Now I’m confident to invest in the stock market by my self. I am so happy for the determination I’ve made to take your course. My suggestion to all people out there is to jump in and start invest in yourself.

Natsnet Kesete

Edmonton Canada

ብመጀመርታ ክብርን  ሰላምን ጥዕናን ይምነየልካ ክቡር ሓውና ማእከለ፡ በዚ ኣጋጣሚ ከየመስገንኩኻ ኽሓልፍ ኣይደልን ምኽንያቱ በቲ ዝሃብካኒ ናይ ሶቶክ ማርኬት ኮርስ ኣብ ሂወተይ ዓቢ ለውጢ ስለዝገበርካ ደጊመ ከመስግነካ ይፈቱ፡ ብዓቢይኡ ከኣ ኣብ ናይ ወፍሪ ዘለኒ ኣረዳድኣ ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብዚ ኮርስ ናትካ ምስ ወሰድኩ ኢዩ ዝያዳ ክዓቢ ኪኢለ ከምኡ’ውን ኣብ YouTube ተኸታታሊ ናትካ እየ፡ ብዙሕ ኢኻ ተንቅሓና ዘለካ እሞ ቀጽሎ ክብለካ ይፈቱ። በዚ ኣጋጣሚ ኩሉኻትኹም ተኸታተልቲ ናይ ማእከለ ኣብቱ ናቱ ወብሳይት ኣቲኹም ኮርስ ክትወስዱ ይምሕጸነኩም ምኽንያቱ እቲ ኮርስ ኩሉ ካብ ዝደቐቐ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ብውሕሉል ኣገባብ ኢዩ ኣቕሪብዎ ዘሎ ርግጸኛ እየ በቲ ኣቕሪብዎ ዘሎ ኮርስ ዕጉባት ከም እትኾኑ ምኽንያቱ ኣነ ካብቲ ዝተጸበኽዎ ንላዕሊ ኮይኑ ሰለዝጸንሓኒ እየ።

ሓጎስ ሃብተ
ነርወይ

I would like to say a few words about Eri Young Investor and Eri Investing Academy. I took all the courses and I found it very organized, and the great thing is it is in our own language Tigrigna. I can see that Maekele Abraham has spent a lot of time and effort to put this course together and I really encourage everyone to take the course and learn something about investing. GREAT JOB MAEKELE, I am very proud of you.

Bereket uqbazgI
Torornto CA

ሰላም ሰላማዊ ኣምላክ ምሳኻ ይኹን! ማእከለ ኃወይ።  ብጣዕሚ እየ ዘመስግን”፡ነዚ ዓይነት ፍልጠት ምክፋልካ፡ብዙሕ ናይ መጻኢ ዕብየተይ ክሓስብ እኻ ጌርካኒ፡እቲ ምንታይ ክምሃር ኢለ ካብ ዝሓስብ ዓመታት እዩ ኳይኑ፡ ግን ውሳኔ ኣይነበረንን።ሕጂ ግን ወሲነ ድሕሪ ብዙሕ ውረድ ደይብ ድማ ኣብ ፍጻሜ በጺሐ።ሕጂ ውን እዚ ዝተማሃርክዎ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ብዓጼፌታ ፈተነ ከም ዝመጻኒ ኣይጠራጠርን፡ፍረ እቲ “ብሉጽ” ኣመሃህራኻ ግን ክዓፀድ ንድሕሪት ኣይከብልን እየ። ኣዝዩ መሳጥን ንጹሩን ትምህርቲ እኻ ኣዳሊኻ ዘለኻ።ነዚ ኣነ ዝወሰድክዎ ኮሩስ ብዙሓት ተጠቀምቲ ኮይኖም ክርእዮም፡ካብ ግጉይ ኣረዳድኣ ወፍሪ ድማ ክገላገሉ ሠናይ ምንዮተይ እዩ። እንተ’ንስኻ ዝገበርካለይ ነገር ግን እቲ ወርሕን 3 ሰሙንን ዝወስድ ትምህርቲ፡ብዙሕ ዓመታት ከንብረኒ ዝኽእል ሰፊሕ ኣእምሮ ንኸጥርን ዝሕግዝ እዩ’ሞ ደጊመ የመስግን

ሓይልዝጊ
Germany

ብቐዳምነት ብልቢ የመስግነካ ማእከለ ሓወይ ነዚ ዕድል ዝፈጠርካልና። ብምቕጻል ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ ካብ ዓሳ ዝህቡኻ ኣጋፍፋ ዓሳ እንተዝምህሩኻ ድዩ ዝበሃል ኣነ ውን እዚ ትምህርቲ ከምኡ ረኺበዮ። ብጠዓሚ ሓጋዝን መራሒ መገድን አሞ ኸኣ ናይ ዕቤት መገዲ። ነዓና ጥራይ ዘይኮነስ ወላ ነቶም ንወልዶም ደቕና ኣብነት ኮይኖም ዝገብር ትምህርቲ ኮይኑ ረኺበዮ።

ብርሃነ ምሳኤል

ካብ ልቢ የቐንየልና ማእከለ ስለ እቲ ተገዲስካ ንህዝቢ ክተንቅሕን ከተማዕብል ኣብ ናይ ገንዘብ ቁጠባዊ ሓርነት ዘለዎ ኣረዳድኣ ክሰፍሕን ዝገበርካ ካብ መጀመርታ ኣብ YouTube የ መደብካ ተኸታቲለዮ ምስ ፈተኽዎ ከ ናብዚ ኮርስ ክጅምር ወሲነ ናይ ብሓዊ ካብ ትጽቢተይ ንላዕሊ ጸኒሑኒ። እቲ ቐንዲ ዝሰሓበኒ ካብዚ ትምህርቲ ኩሉ ፕራክቲካ ምዃኑ ንኽርድኦ ኣይጸገመንን። ድሕሪ እዚ ትምህርቲ ምውዳአይ ባዕለይ ናተይ Portfolio ክሰርሕን ከምኡውን ኣብ ስቶክ ማርኬት ብርእሰ ተኣማንነት ከውፍር ክኢለ ኣለኹ። ደጊመ ደጋጊመ የቐንየለይ

ሰላም ሃይለ

ሽወደን

ቀዳምነት ነቲ ሎዑል ኣምላክ ክብርን ምስጋናን ይብጸሓዮ ከም በዓል ማእከል ዝበሉ የሕዋት ስለዝሃበና ብምቕጻል በዚ ስልጠና ናይ ኤሪ ያንግ ኢንቨስተር ዘኸሰብክዎ ወይ ዝተረደኣኒ እንተሃልዩ የዕንተይ ዝኸፍት ነቲ ኣብ ስቶክ ማርከት ዝነበርኒ ኣረዳድኣን ኣመላኽታን ዝቀየረ ብ ውሕሉል ኣብነትን ኣገላልጻን ዝተሰነይ ነቲ ናይ ፋይናንስ ቋንቃ ወይ Financial terms ብጹብቅ ዘቅርብ ንጀማሪ ብዝርድኦ መገዲ ዝተዳለወ ስለዝኮነ ብርግጽ ነዚ ትምርቲዚ ወይ ስልጠና ዘተከታተለ ሰብ ከምዝጥቅም ይተኣማመን እየ

ፍረዝጊ ጸጋ
Canada

WOWOWOW Maekele ሓውና፣ ነዚ ትገብሮ ዘለካ ኣብ YOUTUBE ይኹን ኣብ ናይ ግሊ ትምህርትኻ ብ ኣምላኽ ርኸቦ። እዚ ኽኮርስ ብፍላይ ብውልቐይ ምስ ናይ ሕጽረት ቓንቃ ምህላው ኣዝዩ ጠቂምኒ ብጠዓሚ ተሓጉሰ። ካልእ ካብቶም ካልኦት ዝምህሩ ፍልይ ዝበለ ብምኻኑ እየ ነዚ ትምህርቲ ዝፈተክዎ። ለበዋ ንመንእሰያት ብፍላይ ሕጽረት ቓንቓ እንግልሽ ዘለኩም እዚ ማእከለ ሓውና ከፊቱልና ዘሎ ዕድል ከየምልጠኩም ተጠቀምሉ።  ፍልጠቱ ዘይበቅቕ መምህረይ 100%

 

Amanuel

Edmonton Canada

መጀመርታ ኣብ ኩሉ ጉዑዝታትካ ዓወተን ኣሳልጡን ይመነይልካ። ብምቅጻል ኣነ ሃደ ካብ ተማሃሮካ ኮይነ፣ ኣብ እስቶክ ማርኬት ዝጸነሃኒ ድሩት ዝኮነ ኣፍልጦ ምሳካ ኮይነ ፍልጠተይ ከዕቢ ዝፈጠርካለይ ባይታ ከመስግነካ ይፈቶ። ቀጺለ ካብ ስልጠናታትካ ፍሉይን ብሉጽን ዝገብሮ ፥ ንዝኾነ ሰብ ክርድኦ ብዝኽእል ሜላ ኣገላልጻ ብምጥቃም ፥ኣገዳሲ ነገር እዩ ዝምህረካ። ምሂሩ ኣብ ጎልጎል ዝገድፈካ ዘይኮነስ፥ምሳኹም ኣለኹ ብምባል፥ንዓወትካ ምሳኻ ዝጎዓዝ ብሉጹን በሊሕን መንእሰይ ብምዃኑ፣ ን መኣከለ ሓዉና ምስጋና ይግብኦ፣ እግዚኣብሔር ምሳካ ይኩን። ካብ

ፊሊሞን ሳምሶም
    ነርወይ